ጂኦ ፖለቲካዊ ቀዉሲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እንዳኸረረ ይመጸሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ዘይዉጻእ ወጥሪ ዝርከብ ቀ/ሚ ኢትዮጲያ፣ ካብ ክንሓስቦ እንኽእል ተርባጽን ነዉጺ ኣእሙሮን ተሽሚሙ ምህላዉ ክሓብእ ኣይከኣለን ዘሎ። እዚ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጲያ ቀሪቡ፣ ሃገሩ ኪኖ እቲ ኣብ ዓለምና እናተመዓራረየ ዘሎ ሓድሽ ምትእስሳራት፣ ኣብ ዘይወጽእ ፈታዊ ኣልቦ ሃጓፍ ተዳጒና ከም ዘላ ዝዕዘብ፣ ቃላት ክሓጽሮ ጸኒሑ ኣሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጲያ ናብ ከተማ ጅዳ ምምርሑ፣ ወዝቢ ኣይነበረን። እዚ ናይ ተርባጽ ዝመስል ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓስ'ዚ፣ ኢትዮጲያ ምስ ኢማራት ዝጸንሓ ርክብ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ምህላዉ ዘመላኸተ እዩ ኔሩ። እምበር'ከ፣ ድሕሪ እቲ ሰራዊት ሱዳን ክወስዶ ዝጸንሐ በርቃዊ ጸረ መጥቃዕቲ፣ ስርዓት ብልጽግና እንታይ'ዩ ከምዚ ዘንፈጠጦ?
ሚኒተር ሙፋሪያት ካሚል ምስ ዶ/ ሳልሕ ቢን ዓብዱላህ ቢን ሙግቢል ንልዕሊ 1 ሰዓት ርክብ ኣብ ዘካየደትሉ እዋን፣ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ኣብ ስዑዲ ነብሩ ዜጋታታ ዝውርድ ዘሎ ግፍዒ ዘለዋ ተቓዉሞ ገለጸት። እንተኾነ ዶ/ ሳልሕ ቢን ዓብዱላህ ቢን ሙግቢል፣ ነቲ ጥቀና ብተሪር ድሕሪ ምንጻግ፣ ኢትዮጲያ ነቲ ክሲ ብመርትዖ ከተመስክር ተሓተት።
ኣብ ሓምለ 2025፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ልኡል ፍይሰል ቢን ፋርሓን ኣል ሳዑድ ምስ ሚኒስተር ጢመጥዮስ ብቴለፎን ርክብ ኣካየደ። ንግስነት ስዑዲ ዓረብ እዉን፣ ኢትዮጲያ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዘለዋ ተራ ብትሪ ክኹንን ተሰምዐ። እንተኾነ ሚኒስተር ጢመጥዮስ ነቲ ርክብ ብትዕቢት እዩ ዛዚሙዎ።
ድሕሪ እዚ ዝመጸ፣ ዑደት ሚኒስተር ጢመጥዮስ ናብ ጅዳ እዩ። ኣብ'ቲ ርከብ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ልኡል ፍይሰል ቢን ፋርሓን ኣል ሳዑድ፣ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ኢማራት ዘለዋ ተሪር ተቓዉሞ ድሕሪ ምብራህ፣ ጸጥታ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጸጥታ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝሙርኮስን ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ስዑዲ ዓረብ ምስ ሃገራት ዓረብ ዓሚቕ ዝርርባት ምክያዶም ብቐጥታ ኣመልከተ።
ኣቐዲሙ ኣብ ዝነበረ ምንቅስቓሳት፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዶ/ ባድር ዓብደልዓጢ ምስ ሚኒስተራት ናይ ቱኒስያን ኣልጀርያን ኣብ ጉዳይ ሊብያ Tripartite Consultation ኣካይዱ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ዛዕባ እንታይ ነበረ?
ጅኦ- ፖለቲካዊ ሕሳብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ንመራሕቲ እስራኤል መንጸሮር ርእሲ ፈጢሩ ኣሎ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን፣ ነታ ቀንዲ መናሃርያን መተሓላለፍትን ኣጽዋራት ኢማራት ኮይና እትርከብ ሊብያ ዝመርሕ ዘሎ ኣዛዚ LNA ጀነዳል ሓፍታር፣ ምስ'ቲ ኣብ ሊብያ ስሙ ግኑን ዝኾነ ወዱ ሌ/ጀ ሳዳም ሓፍታር ናብ ፓሪስ ኣምሪሑ ዝብል ሓበሬታ'ውን ወጺኡ ኣሎ።
ብዘይካ'ዚ፣ ማዕከናት ዜና ኢማራት፣ ድሮናት ቱርኪ ካብ መዓስከራት ግብጺ እንዳተበገሳ፣ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጃንጃዊድ ከቢድ ዕንወት የዉርዳ ምህላወን ክኸሳ ጸኒሐን ኣለዋ።
እምበኣርከስ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብልጽግና ዶ/ ጢመጥዮስ ናብ ከተማ ጅዳ ኣምሪሑ ዝብል ዜና ኣብ ዝወጸሉ ሰዓት፣ ኣብ 4ኪሎ ድኣ እንታይ ተረኺቡ ዝብል ሕቶ ንኽትሓትት እዩ ዝድርኸና። ከም'ቲ ገለ ገለ ፈላጣት ዝእምትዎ ዘለዉ፣ መራሕቲ ብልጽግና፣ ምስ ኢማራት ዓረብ ዝጸንሖም ናይ ሕሹኽሹኽ ዝምድና፣ ኣብ ትዕዝብቲ ነበረ።