ናብ ፖለቲካዊ ትንታነ ተመለስ

ዕብዳን፣ ጭንቀት፣ ነዉጺ ኣእሙሮ፣ ንድየትን ፖለቲካዊ ጥፍሽናን ስርዓት ብልጽግና፣ እንታይ እዩ መዛዘሚኡ?

ታህዲድን ፈኸራን ዝሕመረቱ ፖላቲካ ጉጅለ ብልጽግና፣ ብዘይካ እቲ ዝመልኮ ናይ ታህዲድን ፈኸራን ስልቲ፣ ሓድሽ ዛዕባ ከምጽእ'ዩ ኢልካ ክሕሰብ ኣይክእልን እዩ። ኣብ'ዘን ዝሓለፋ ዉሑዳት ሳምንታት ጥራይ፣ ብልጽግና ኣብ ልዕሊ ጎረባብቱ ክገብሮ ብዝጸንሐ ናይ ''ጠሓርኩኹም'' ጥሩምባታት፣ ከባቢና ክርበሽ ጸኒሑን ኣሎን። ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጲያን፣ በዚ መቓኑ ዝሰሓተ መናፍሓት ግጭት፣ ኣብ ቅሉዉላዉ ክነብር ምፍራዱ፣ እቲ ዝዓበየ ክሳራ ኮይኑ፣ ኣብ ዉሽጢ መራሕቲ ብልጽግና ሰፊኑ ዘሎ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ኣተሓሳስባ፣ ኣብ ዉሽጢ ኢትዮጲያን ከባቢኡን ክፈጥሮ ዝኽእል ምግልባጥ፣ ንተንተንቲ ፖለቲካ ዞባና ግልጺ ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ካብ 2023 ኣትሒዙ፣ መንገዲ ሰላมን ዞባዊ ርግኣትን ነጺጉ፣ በብእብረ ናብ ሰፊሕ ኩናት ክገማገም ዝጸንሐ ጉጅለ፣ ንኸም ኢማራት ዝኣመሰላ ናይ ግዳም ሰምሰርቲ ብምዕዳም፣ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሕምሱ ምንቅስቓሳት ከካይድ ምጽንሑ፣ ካልእ ጭቡጥ ትዕዝብቲ ዝገድፍ ጉዳይ እዩ። ንሙዃኑ፣ ጭንቀት ኣእሙሮ ጉጅለ ብልጽግና፣ ካብ ምንታይ እዩ ዝምንጩ? ክበጽሖ ዝህቅን ዘሎ መንጥር'ከ ክሳብ ክንደይ እዩ? ኩናት ከበግስ ይኽእል'ዶ? ኣብ ዞባና ሓድሽ ናይ ኩናት ተኽእሎታት ኣሎ'ዶ? ነዝን ካልእን ክንትንትን ኢና፣ ሰናይ ንባብ።

ምኽንያት ዑደት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጭፍራ ብልጽግና ናብ ጅዳ፣ ፍሽለት ዞባዊ ፖሊሲ እቲ ስርዓት ዘንቀዶ ተርባጽ ምንባሩ ዝከሓድ ኣይኮነን። እዚ ካብ ምንታይ እዩ ዝምንጩ፣ እታ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እቲ ስርዓት እትዳሎ መርበብ ሓበሬታ HORN REVIEW፣ ኣብ እዘን 24 ሰዓታት፣ ናብ ኣእሙራዊ ዉድቀት/ ድርቀት (mental freeze) ዝወሰደ ጽሑፋት ክትፍኑ ምቕናያ እዩ። ክልተ ጽሑፋት ናይ'ቲ መርበብ ሓበሬታ ጭቡጣት ኣብነታት እየን።

- "Turkey has crossed a doctrinal threshold in Somalia - introducing airpower deterrence"

- The Rising Saudi-Turkish Deal: A New Empire Swallowing the Red Sea and Yemen

Threat Analysis & Profiling

ሽሕ'ኳ በርቢርካ ንምፍላጡ ኣሸጋሪ ኮይኑ እንተጸንሐ፣ ኣብ መንጎ ኢማራትን ስዑድን ዘሎን ዝጸንሐን ምትፍናን፣ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ግልጺ ኮይኑ ኣሎ። እዘን ኣብ ቁጠባን ፖሊሲታት ወጻኢ ጉዳያትን ፍልልይ እንዳርኣያ ክመጻ ዝጸንሓ ክልተ ዞባዊያን ሓይልታት፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ኣብ መሳርዐን ኣሰሊፈን ምስ ምጽንሐን፣ ንሳተን ግጭት ኣብ ዝኣትዋሉ እዋን፣ እተን ምስኣ'ተን ተሰሊፈን ዝርከባ ሃገራት ናብ ግጭት ክኣትዋ ከም ዝኽእላ ምግማት ኣየጸግምን።

ኣብ ብልጽግና መጺኻ ክትዛረብ፣

ብልጽግና ኣብ ግጭት ህዝብታት ክረብሕ ዝህቅን ዝወደቐ ስርዓት እዩ። ብፍላይ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ኣምሓራን ክፈጥሮ ዝሓሰቦ ናይ ግጭት መጻወድያ፣ ኣብ'ዚ ሰዓት ብ0 ርባሕ ተራቢሑ፣ ህዝብታት ንኣጀንዳ ናይ'ዚ ምህሙን ስርዓት ፈሊጦሞ ይርከቡ። እዚ ፍሽለት እዩ እምበኣር፣ ብልጽግና ኣብ ናይ ተገላቢጦሽ ፖለቲካ ከንገርግር ኣገዲድዎ ዘሎ። ኣብ'ዚ ዛዕባ እዚ፣ ዉሽጣዊ ቅልዉላዉ ኢትዮጲያ፣ ንዞባዊ ጥሙሕ ናይ'ተን ኣኸደምታ ሓደጋ ይፈጥር ምህላዉ፣ መራሕቲ ብልጽግና ብዝግባእ ዝርድእዎ ይመስሉ።

ከም'ቲ ክንዕዘቦ ዝጸናሕና፣ ኣኸደምቲ ብልጽግና፣ ብፍላይ ኢማራት፣ ኣብ ግጭት ህዝብታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክረብሑ ዝህቅኑ ምስ ሙዃኖም፣ ዞባዊ ኩነታት ኣንጻር ረብሕኦም ክኸይድ ምስ ዝጅምር፣ ንብልጽግና ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከእትዎ ንቡር ይኸዉን። እዚ በቲ ኣብ ሱዳን፣ ሶማል፣ የመንን ሊብያን እንዕዘቦ ዘሎና ትስፉዉ ፖለቲካዊ ኩነታት ክግለጽ ይኽእል እዩ።

እምበኣርከስ፣ ኪዳን ስዑዲ- ግብጺ- ቀጠር- ቱርኪ- ፓኪስታን መልክዕ እንዳሓዘ ይኸይድ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ስርዓት ብልጽግና ኣብ ነዉጺ ክኣቱ ንቡር እዩ ምባል ይከኣል።

ኣብ ዉሽጢ ናይ 2 መዓልቲ ፍልልይ፣ ፕረዝደንት ቱርኪ ጣይብ ኢርዶጋን ኣብ ባይሮን ጅዳን ተራእዩ ኣሎ። እዚ ምስ'ቲ ኣብ መንጎ ቱርክን ግብጽን፣ ቱርክን ስዑድን ዝጸንሐ ዘይቃዶ ዝምድናታት፣ እቲ ዑደት ስሕበት ማዕከናት ዓለም ኮይኑ'ሎ። ጥይብ፣ ኣብ ግብጺ ዝሃቦ መብርሂ፣ ''ቱርኪ ኣብ ጉዳይ ሓድነት ሶማል ዋጋ ዓዳጋ ከም ዘይትገብር ከፍልጥ ይፈቱ'' ድሕሪ ምባል፣ እስራኤል ኣእዳዋ ካብ ሶማል ክትስሕብ ከም ዘለዋ ብትሪ ኣተሓሳሲቡ። እዚ መርገጺ እዚ፣ ብመራሕቲ ግብጽን ስዑድን እዉን ሰፊሕ ተቐባልነት ረኺቡ ዘሎ እዩ። ድሕሪ እቲ ዝነበረ ግብጃ ድማ፣ ሚኒስትራት ምክልኻል ግብጽን ቱርክብ ናይ 6 ዓመት ሓባራዊ ስምምዕ ምክልኻል ፈሪሞም። እዚ ማለት፣ ኪዳን ቱርክን ግብጽን ስዑድን ቅርጺ እንዳሓዘ ይኸይድ ኣሎ።

ድሕሪ እዚ ፕረዝደንት ጣይብ ኢርዶጋን ናብ ከተማ ጅዳ እዩ ኣምሪሑ። እዚ ብወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማን ዝተዳለወ ርክብ፣ ኣብ ስትራተጂካዊ ርክብ ቱርክን ስዑድን ነጥበ መቐይሮ እዩ ክበሃል ይከኣል። ኣብ'ቲ ርክብ፣ ክልቲኣቶም መራሕቲ ኣብ ጉዳያት ማእከላይ ምብራቕ፣ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ቀይሕ ባሕሪ፣ ሱዳን (ብፍሉይ)፣ ሶማል (ብፍሉይ) ዓሚቕ ምይይጥ ኣካይዶም። ብዘይካ እዚ ኣብ ጉዳይ ሶማሊላንድ፣ ኣንጻር እስራኤል ሓባራዊ መርገጺ ክሕዙ ኣብ ስምምዕ በጺሖም። ኪዳን ስዑዲ፣ ግብጺ፣ ቱርኪ፣ ቀጠር፣ ፓኪስታን ልክዕ ቅርጹ ክሕዝ በቒዑ ኣሎ።

ማዕረ ማዕረ ናይ'ዚ ቅልጡፍ ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓስ፣ ኣብ ኣቡ ዳቢ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፣ "world governance forum"፣ መንግስቲ ኢማራት ንፕረዝደንት ሶማሊላንድ ዓዲሙ፣ ምስ መራሕቲ እስራኤል ከም ዝዛተዩ ጌሩ'ሎ። ኣብ'ቲ ዋዕላ ዝተረኽበ ፕረዝደንት ኢትዮጲያ ኣጽቀስላሴ ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ብሰንኪ ምፍራስ ሓደ ቀጽርኣዊ ዓለም፣ ዓለምና ኣብ ስነ ሞጎት ሓይሊ ተገዚኣ ምስ ምህላዋ፣ ሃገሩ ኣብ ሕጊ ዓመጽ ፍትሒ ከም እትረክብ ብምብራህ፣ ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ዳግም ፍታሕ እንተዘይተጌሩ፣ ፍትሒ ብሓይሊ ከም ዝመጽእ ኣፈራሪሑ። እዚ ዋዕላ እዚ፣ ኢማራት ኣብ ክትፈጥሮ እትህቅን ዘላ ኪዳን፣ ዳርጋ መልክዑ ዝሓዘ ክበሃል ይከኣል። ኣብ'ቲ ዋዕላ፣ ፕረዝደንት ሶማሊላንድ ቺሮ ምስ ልኡኻት እስራኤል ተራኺቡ ተዛትዩ ኣሎ።

እምበኣርከስ፣ ነዝን ካልእን ኣብ ሚዛን ኣእቲኻ፣ ዞባዊን ዓለምለኻዊን ምዕባለታት ፍጥነት ብዝመልኦ መንገዲ ይጋላበጥ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ስርዓት ብልጽግና ኣብ ከቢድ ናይ ህላወ ሕቶ ክኣቱ ዘደንቕ ኣይኮነን። ዕብዳን፣ ጭንቀት፣ ነዉጺ ኣእሙሮ፣ ንድየትን ፖለቲካዊ ጥፍሽናን ስርዓት ብልጽግና፣ እንታይ እዩ መዛዘሚኡ ንዝብል ሕቶ፣ ''ጥፍኣት'' እንተዘይኮይኑ፣ ካልእ ክወልድ ኢልካ ምጽባይ፣ ኣብ ቀትሪ ደቂስካ ምሕላም ይኸዉን።